Ga naar inhoud
Nederlandse les.nu
  • Cursussen
    • Hoe zien onze cursussen eruit?
    • Intake: meld je aan voor een gratis intake
      • Intake formulier
    • overzicht cursussen Nederlands
      • Alfabetisering
      • De verschillende examens waarmee je kunt inburgeren
      • Inburgeren met het inburgeringsexamen
      • Inburgeren met het staatsexamen
    • ONA
  • Nederlands op de werkvloer
  • Dit ben ik
    • Dit ben ik
  • Testimonials
  • info
    • Prijslijst
      • Bestel uw boeken bij ons
    • Vakantierooster
    • Startdata
    • Informatie over onze groepen
    • Privacyreglement
    • Klachtenreglement
  • Kalender
  • Contact
  • Hezha helpt

Privacy reglement in Tigrinya

Privacy reglement in Tigrinya

1
ፖሊሲ ምሕላው ምስጢራዊነት (Privacyreglement)
ትርጐም ቃል
ግላዊ ሓበሬታ ክበሃል ከሎ ኵሉ ብዛዕባኻ/ኺ ዝምልከት ሓበሬታ ከም ዜግነት፣ ቦታ ልደት፣ መለለዪ መረዳእታታት (ዳታ)፣ ሓገዝ/ ደገፍ ናይ መንግስቲ፣ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ምልከት ቋንቋን ውልቃዊ ኵነታትን ዘጠቓለለ እዩ።
ዓንቀጽ 1. ዕላማ ናይ ምእካብን ምዕቃብን ውልቃዊ ሓበሬታታት
እዚ መምርሒ እዚ ንምእካብን ምዕቃብን ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣብ ውሽጢ ናይ Nederlandseles.nu ዝምልከት እዩ። Nederlandseles.nu ብመሰረት ሕጊ ምዕቃብ ውልቃዊ ሓሬታታት ተቐይዱ ይሰርሕ። ንውልቃዊ ሓሬታታትኩም ብጥንቃቐን ምስጢርን ንሕዞ። ብዛዕባ (ቀዳሞት) ተመሃሮ፣ ዓማዊል፣ ሰራሕተኛታትን ኩባንያታትን ኣድላዪ ዝኾነ ሓበሬታ ንእክብን ንዕቅብን ኢና። ዕላማ ናይ`ዚ ምእካብን ምዕቃብን ውልቃዊ ሓበሬታታት ድማ ብቐንዱ ነቲ ዝወሃብ ትምርቲ ንምውዳብ፣ ንምፍላጥን ንምግምጋምን እዩ።
ዓንቀጽ 2. ውልቃዊ ሓበሬታታት ናብ ካልእ ኣካል ምዝርጋሕ
ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ንኻልእ ኣካል ብዘይ ፍቓድኩም ኣይንህብን ኢና። እዞም ሲዒቦም ዝቐርቡ ግና ፍልይ ዝበሉ እዮም።
– ካብ ዱዎ (DUO) ልቓሕ ምስ ዝህልወኩም፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ንዱዎ ንህብ ኢና።
– ሓገዝ/ ደገፍ ናይ መንግስቲ እንተደኣ ትረኽቡ ኰንኩም፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ንምምሕዳር ከተማ (Gemeente) ክንህቦም ንኽእል ኢና። ምምሕዳር ከተማ ስራሕ ወይ ትምህርታዊ ስራሕ (ስታጀ) መዓስ ክትጅምር ከምዘለካ/ኪ ይውስን። ትምህርታዊ ስራሕ ኣብ ምርካብ እውን ይሕግዝ እዩ።
– ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ንብሊክ ኦፕ ቨርክ (Blik op Werk) ንህቦም ኢና። ንሳቶም ነዚ ሓበሬታ፣ ነቲ ብ Nederlandseles.nu ዝወሃብ ትምህርቲ ብቕዓቱ ንምፍላጥ ኣብ ዝገብርዎ ምርምር ይጥቀምሉ።
– እንተደኣ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ካልእ ኣካል ዝኸፍለልካ/ኪ ኮይኑ፣ እቲ ውልቀሰብ/ ማሕበር ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለዎ። እዚ ውልቀሰብ/ ማሕበር ብዛዕባ ህላውነትኩም፣ ዕብየትኩምን ዕቱብነትኩም ምስ እዝሓትት፣ ሓበሬታ ንህቦም ኢና።
ዓንቀጽ 3. ክዘና ውልቃዊ ሓበሬታታት
ውልቃዊ ሓበሬታታት ብመልክዕ ዲጂታልን ፋይልን ተታሒዙ ይኽዘን። እዚ ሓበሬታ ድማ በዓል ቤተይን (Xhemajl Bitiqi) ኣነን ጥራይ ንጥቀመሉ። ኣነ ኮነ በዓል ቤተይ ነዚ ሓበሬታ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣለና። ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝሓዘ ፋይል/ ሓቋፊ ወረቐት ድማ ኣብ ዕጽው ከብሒ/ ኣርማዲዮ ይተሓዝ። እቲ መፍትሕ ድማ ምሳይ ይኸውን።
2
ዓንቀጽ 4. ምዕቃብ ውልቃዊ ሓበሬታታት
ምስ ቀዳሞት ተማሃሮና ቀጻሊ ርክብ ክንገብር ስለእንደሊ፣ ስምኩምን ኣድራሻኹምን ክንሕዞ ኢና። እዚ ምስ ዘይድለ ድማ ናይ ግድን ብናታትኩም ጠለብ ነጥፍኦ። ዝርዝር ሓበሬታ ናይ ተሳተፍቲ ስልጠና ንዓሰርተ ዓመት ይዕቀብ። ብድሕሪኡ ግና እቲ ሓበሬታ ከምዝዓኑ ይግበር። ናይ`ቶም ኣብ መእተዊ ዝምላእ ኦርኒክ ተመዝጊቦም ግና`ኸ ኣብቲ ስልጠና ዛጊት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ወልቀ-ሰባት፣ ኦርኒኮም፣ ክሳብ በዓላቶም ኣብ Nederlandseles.nu ክመሃሩ ድሌት ከምዘይብሎም ዝገልጹ ንዕቅቦ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ነቲ ሓበሬታ ነዕንዎ።
ዓንቀጽ 5. ምርኣይ ውልቃዊ ሓበሬታታት
ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ክትርእዩዎ ትኽእሉ ኢኹም። ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ክትርእዩዎ ምስ እትደልዩ ድማ ን Susan Joosten ክትሓቱ ትኽእሉ። ንምቈጽጻር ድማ Susan Joosten ምሳኹም ክትህሉ እያ።

Contact

De school heeft 2 locaties:

Utrechtstraat 114, 2408 GS Alphen aan den Rijn

 

en

Lokaal 21 in ‘De Jozef’, Hoflaan 3, 2405 BS Alphen aan den Rijn

Neem contact met ons op via het

Intake formulier

Telefonisch: 06-57966417

Per mail: info@nederlandseles.nu

Evenementen

  • Geen evenementen

Follow Us!

Follow Us on FacebookFollow Us on LinkedIn
copyright Nederlandseles.nu
Thema doorColorlib Aangedreven door WordPress

Deze website gebruikt cookies voor de beste gebruikerservaring. Geef hier je voorkeur aan door op de knop te klikken.