Klachtenreglement Tigrinya

1
ሕግታት ጥርዓን (Klachtenreglement)
ትርጐም ቃል
ጥርዓን ክበሃል ከሎ ንስኻ/ኺ ምስ ትካል Nederlandseles.nu ኣይተሰማማዕካን ወይ ዘይተቀበልካዮ ነገር ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ መምህራን፣ ኣገባብ ኣመሃህራ፣ መምሃሪ ክፍሊ፣ ድሕነት ወዘተ ዝምልከት ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል።
ዓንቀጽ 1. ኣቀራርባ ጥርዓን
ንስኻ/ኺ ከምእውን ካልኦት ተመሃሮ፣ በቲ ቤት-ትምህርቲ ኮነ መደባት ትምህርቲ ዕጉባት ክትኮኑ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢለ እሓስብ። እንተደኣ ዘይዓገብኩም፣ ምኽንያት ዘይመዕገቢኹም ብምስማዕ ነቲ ጸገም ንክፈትሖ ዝከኣለኒ ክጽዕር እየ። በቲ ፍታሕ ሕጉሳት እንተዘይኰንኩም ድማ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ። እዚ ድማ፣ ብጽሑፍ ኮነ ብቓል ብቐጥታ ናባይ (Susan Joosten) ከተቕርብዎ ትኽእሉ። ጥርዓንኩም ብቓል ምስ እተቕርቡ፣ ብንጹር፣ ጥርዓን ተቕርቡ ከምዘለኹም ክትገልጹ ይግባእ። እንተደኣ ካልእ ኣካል ንመምሃሪ ዝኸፍለልኩም ኮይኑ፣ ንሱ/ ንሳ ኣብ ክንዳኹም ኮይኑ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል። ብተወሳኺ፣ ኣሰልጣኒ ቋንቋ ወይ ናይ ቋንቋ መሓዛ ንዓኻ/ኺ ወኪሉ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል። እዚ ምስ ዝኸውን፣ እቲ ጥርዓን ካባኻ/ኺ ከምዝመጸ`ምበር፣ ካብ ኣሰልጣኒ ቋንቋ ወይ ናይ ቋንቋ መሓዛ ከምዝመጸ ጥራይ ኮይኑ ክግለጽ የብሉን።
ዓንቀጽ 2. መረጋገጺ ቅብሊት
ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥርዓንካ/ኪ ከምዝበጽሓና ዝገልጽ ደብዳቤ ክወሃበካ/ኪ እዩ።
ትሕዝትኡ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይገልጽ፥
– ጥርዓንካ/ኪ ዝተቐበልናሉ ዕለት
– እቲ ጥርዓን ብኸመይ ከምንሕዞ
– ምልሲ ጥርዓን ክትረክብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድ
ዓንቀጽ 3. ዘይቅቡል ጥርዓን
ጥርዓንካ/ኪ ካብቲ ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ወጻኢ እንተደኣ ኮይኑ (ንኣብነት፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ውሒደን ንዝብል)፣ ንሕና መልሲ ክንህበሉ ዘይንኽእል ጥርዓን ከምዘይኮነ ክንሕብረኩም ኢና። እዚ ድማ፣ ካብቲ ጥርዓን ዝቐረበሉ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ይሕበረኩም።
ዓንቀጽ 4. ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጥርዓን
በዓል ቤተይ፣ Xhemajl Bitiqi፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ጥርዓን ክሕግዘኒ እዩ። ጥርዓንኩም ብምስጢር እዩ ዝተሓዝ። ኣድላዪ ኣንተደኣ ኮይኑ ድማ፣ ካባይ ኮነ ካብ በዓል ቤተይ ወጻኢ ንዝኾነ ኣካል ሪፖርት ክግበር ይከኣል። ጥርዓን ካብ ዘቕረብኩምሉ ዕለት፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን መልሲ ናይ ጥርዓንኩም ይወሃበኩም። ኣብ ፍሉይ ኲነታት ድማ እቲ መልሲ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ድማ መልሲ ናይ ጥርዓንኩም
2
ክትረኽቡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድን፣ ስለምንታይ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን መልሲ ናይ ጥርዓንኩም ክንህብ ዘይምኽኣልና ክሕበረኩም እዩ።
ዓንቀጽ 5. ናይ ጥርዓን መስመር
ተስፋና፣ ምስቲ ቤት-ትምህርቲ ዘለኩም ጸገማት በቲ ዝወሃብኩም መልሲ ናይ ጥርዓን ንክፍታሕን፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ናይቲ ጸገም ተፈሊጡ መፍትሒ መታን ክግበረሉን እዩ። ኮይኑ ግና፣ በቲ ዝወሃብ መፍትሒ እንተዘይዓጊብኩም፣ ባዕልኻ/ኺ ወይ ኣብ ክንዳኹም ኮይኑ ካልእ ሰብ ምስ ክላኽተንላይን ቫን ብሊክ ኦፕ ቨርክ (klachtenlijn van Blik op Werk) ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ፣ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ 16:00 ብቊጽሪ ተለፎን 030 – 3030 645 ብምድዋል ወይ ድማ ኢመይል ናብ klachten@ikwilinburgeren.nl ብምስዳድ ቅሬታኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሰራሕተኛታት ናይ ጥርዓን መስመር ድማ ምስቲ ቤት-ትምህርቲ ዘለኩም ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝኹም ይኽእሉ እዮም።
ዓንቀጽ 6. ቦርድ ሽምግልና
ድሕሪ`ዚ ኵሉ ንዓኹም ዘዕግብ መፍትሒ ክትረኽቡ እንተዘይክኢልኩም፣ ናብ ቦርድ ሽምግልና (Het College van Arbitrage) ቅሬታኹም ወይ መረረኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ንምግባር 50 ኤሮ ትኸፍሉ። እንተደኣ መረረኹም ቅኑዕ ኮይኑ ተረኺቡ፣ ዝኸፈልኩምዎ 50 ኤሮ ይምለሰልኩም። Nederlandseles.nu ድማ ንውሳኔ ቦርድ ሽምግልና ክቕበሎ ግዱድ እዩ።
ዓንቀጽ 7. ምስናድ ጥርዓን
Nederlandseles.nu ንጥርዓናት ይምዝግቦ እዩ። እንተወሓደ፣ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ድማ ኣብ ወረቐት ይህሉ፥
– ዝኣተወሉ ዕለት
– መረጋገጺ ቅብሊት ዝተዋህበሉ ዕለት
– ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጥርዓን
– ውጽኢት
– ጥርዓን ብዝምልከቶ ኣካል ዝተረኣየሉ ዕለት
ጥርዓናት ንሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ኣብ እተሸገጠ ከብሒ ይዕቀብ። ብድሕሪኡ ግና ከምዝዓንዉ ይግበር።
ዓንቀጽ 8. ምምሕያሽ ብቕዓት
ኣነን በዓል ቤተይን ብውሕዱ ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት Nederlandseles.nu ብኸመይ ክመሓየሽ ከም ዝኽእል ንዘራረብ። ምምሕያሻት ንምምጻእ ድማ ንኹሉ ዝተቐበልናዮ ጥርዓናት ኣብ ግምት ከነእትዎ ኢና።

contact

Heb jij een vraag of is er iets niet duidelijk? Neem dan contact met me op!